Episodios

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሓምለ 2025)
    Jul 7 2025
    ንሎሚ ሶኑይ ሓምለ 7፣ 2025 ዘዳለናዮም መደባት ጸብጻባት ዜና ዓዲ: * ኮሚሽን ምትሕብባር ኤርትራ-ሩሲያ ክቐውም ሩስያ ብካብኔኣ ኣፅዲቓ፣ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ብፖሊስ ተታሒዞም፣ ፕረዚዳንት ክልል ትግራይ ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘሎ ዕጡቅ ሰላማዊ ክፍታሕ ከም ዝግበረሉ ገሊጹ፣ ህወሓት ንኲናት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ከም ዘይገበረ ኣፍሊጡ፣ ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ ክብል ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሓቢሩ። * ፖሊስ ቪክቶርያ ንሓደ ሰራሕተኛ መዋእለ ህጻናት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወን ፈጺምዎም ምስ ዝተባህሉ ጾታዊ ገበናት ዝተኣሳሰሩ 70 ክስታት ኣቕሪቡ’ሎ ተባሂሉ ድሕሪ ምቅልሑ መንግስቲ ኣውስትራልያ ማእከላት መእለዪ ህጻናት መለክዒታት ድሕነት እንተዘየማሊኤን ዝምወልኦ ገንዘብ ንኽምንጥለን ዘኽእሎ ሓድሽ ሕጊ የናዲ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኮኾብ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ፖርቱጋላዊ ወዲ 28 ዓመት ዲየጎ ዦታ ምስ ሓው ኣብ ስፐይን ብሓደጋ መኪና ድሕሪ ምማቶም ናይ ሓዘን መልእኽታት ይውሕዙ'ለዉ። ሞት'ዚ ቅድሚ 10 መዓልታት ዝተመርዓወን ቅድሚኡ ድማ ሊቨርፑል ፕሪምየርሊግ ክትዕወት ዝሓገዘን ዲየጎ ንኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣብ ስንባደ ከምዝኣቱ ገይሩዎ'ሎ። እቲ ግብረመልሲ ንሞቱ ከመይ ኔሩ ንምልከቶ’ዩ። * ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ ኮይኑ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ዘቕረበ'ዩ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ ዕላል ከነካይድ ዕዱምና ገይርናዮ ኣለና። ቀዳማይ ክፋሉ ክቐርብ’ዩ። * ኣብ መወዳእታ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ዜናታት ጉያ እግሪ ካብ ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ፣ ቢንያም ግርማይን ዙር ፈረንሳን፣ ዋንጫ ዓለም ክለባትን ካልኦትን ዘካተተ’ለና።
    Más Menos
    49 m
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሓምለ 2025)
    Jul 7 2025
    ቀንዲ ነጥብታት ዜና፡ * ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ተጠቀምቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከተማ ሲድኒ ንክልተ መዓልታት ነጻ ኣገልግሎት ክረኽቡ ክኽእሉ’ዮም፣ * ሓደስቲ ጻዕርታት ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝካየድሉ ዘለዉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክራኸብ’ዩ፣ * ኣሽሓት ቲበታውያን ኣመንቲ ቡድሂዝም መበል 90 ዓመት ልደት ናይ’ቶም ድሕሪ ሞት ደጊሞም ክውለዱ መደብ ዘለዎም ዳላይ ላማ ንምብዓል ናብ’ታ ኣብ ኣኽራናት ሂማላያን ናይ ህንዲ ትርከብ ከተማ ዳርምሻላ ክውሕዙ ጀሚሮም፣
    Más Menos
    10 m
  • ዙር ፈረንሳ ቀዳም ኣብ ዝተጀመረሉ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ኣትዩ፡ ኬንያውያን ደቀንስትዮ ክብረወሰናት ሓማሺሸን፣
    Jul 7 2025
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (07/07/2025) * ኬንያውያን ኣትሌታት ክብረወሰናት ዓለም ኣብ ዘመሓየሻሉ ርክባት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ፣ ኣብ ዩጂን፣ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ዝድነቕ ሳልሰይቲ ወጺኣ፣ ክብረወሰና ግን ተመንጢላ ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ቀዳም ኣብ ዝተጀመረሉ መዓልቲ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ኣትዩ፡ ቅሳነት ወልደሚካኤል ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፖርቱጋል ደቀንስትዮ መበል 18 ወዲኣ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ ኣንጻር ፍሉሚነንሰ ክትገጥም’ያ፣ ፔኤስጂን ሪያል ማድሪድን ድማ ኣብ’ቲ መሳጢ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ክራኸባ’የን፣
    Más Menos
    9 m
  • ህወሓት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ንኲናት ኣይገበርኩን፣ እኳ ደኣ ፈደራል መንግስቲ'ዩ ኣንጻረይ ዕጡቓት ዘሰልጥን ክብል ይኸስስ (ጸብጻባት)
    Jul 7 2025
    ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት * ኮሚሽን ምትሕብባር ኤርትራ-ሩሲያ ክቐውም ሩስያ ብካብኔኣ ኣፅዲቓ፣ * ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ብፖሊስ ተታሒዞም፣ * ፕረዚዳንት ክልል ትግራይ ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘሎ ዕጡቅ ሰላማዊ ክፍታሕ ከም ዝግበረሉ ገሊጹ፣ * ህወሓት ንኲናት ዝኾነ ዓይነት ምድላው ከም ዘይገበረ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ ክብል ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ሓቢሩ ዝብሉ ’ዮም።
    Más Menos
    9 m
  • Tributes pour in for Diogo Jota: 'He was what we'd all like to be' - ሃንደበታዊ ሞት ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ዲየጎ ዦታን ሓዉን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ስንባደን ሓዘንን ፈጢሩ፣
    Jul 5 2025
    Tributes are pouring in for Liverpool's forward star, Diogo Jota, who died in a car crash in Spain with his brother. The 28-year-old Portuguese player's death has left the football world in a state of shock. He got married just ten days before his death, and shortly before that, he helped his Liverpool club win the Premier League. - ኮኾብ ኣጥቃዓይ ጋንታ ሊቨርፑል ፖርቱጋላዊ ዲየጎ ዦታ ምስ ሓው፣ ኣብ ስፐይን፣ ሓደጋ መኪና ኣጋጢምዎም ድሕሪ ምማቶም ናይ ሓዘን መልእኽታት ይውሕዙ'ለዉ። ሞት'ዚ ወዲ 28 ዓመት ዲየጎ ንኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣብ ስንባደ ከምዝኣቱ ገይሩዎ'ሎ። ቅድሚ 10 መዓልታት'ዩ ተመርዕዩ፡ ቅድሚኡ ድማ ሊቨርፑል ፕሪምየርሊግ ክትዕወት ሓጊዙ።
    Más Menos
    8 m
  • Child sex charges prompt urgent safety review in Victoria - ድሕነት ህጻናት ዘይሕልዋ መዋእለ ህጻናት መንግስቲ ምወላ ገንዘበን ከቋርጾ ይብል
    Jul 4 2025
    The federal government says it will be seeking new powers to strip childcare centres of funding if they don't meet safety standards. It follows revelations Victorian police have arrested a childcare worker and laid 70 charges relating to alleged sex offences. Victoria is also bringing in a number of its own reforms, and fast-tracking the already planned federal ban on mobile phones in centres. - ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ማእከላት መእለዪ ወይ መውዓሊ ህጻናት መለክዒታት ድሕነት እንተዘየማሊኤን ዝምወልኦ ገንዘብ ንኽምንጥለን ዘኽእሎ ሓድሽ ሕጊ የናዲ ኣለኹ ይብል። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ፖሊስ ቪክቶርያ ንሓደ ሰራሕተኛ መዋእለ ህጻናት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወን ምስ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጾታዊ ገበናት ዝተኣሳሰሩ 70 ክስታት ኣቕሪቡ’ሎ ተባሂሉ ድሕሪ ምቅልሑን’ዩ። ግዝኣት ቪክቶርያ ብተወሳኺ ብዙሓት ምትዕርራያት (ክለሳታት) ሕጊ ከገብር ምዃኑን እቲ ኣቐዲሙ ተመዲቡ ዝነበረ ፈደራላዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ምጥቃም ተንቀሳቓሲ ወይ ሞባይል ቴሌፎናት ኣብ’ቶም ማእከላትን የቀላጥፎ’ሎ።
    Más Menos
    7 m
  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሓምል 2025)
    Jul 3 2025
    ን ሎሚ 3 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ል ኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ፈላማይ ዕዉት ክፋል ንቕለ-ኩላሊት ከምዘካየደ ኣፍሊጡ። ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስራሓት ዳግም ትሃንጽን ንጎረባብታ ትህወኽን ኣላ ንዝብል ክሲ ምላሽ ሂቡ። ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ቤትጽሕፈቱ ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ "መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ" ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ ወቕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5 ሺሕ ሰባት ከም ዝኣሰረ ኣሚኑ። ኣብ ሶማልያ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ሒዛ ዝነበረት ናይ ኡጋንዳ ሄሊኮፕተር ኣብ ሞቓድሾ ተሓምሺሻ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ብዛዕባ ምስ ህጻናት ዝሰርሑ ንምጽራይ ዝግበር እዋናዊ መስርሕ ክለሳ ይግበር ኣሎ ፡ ** ሓማስ ነቲ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ 'ናይ መወዳእታ "ዝበሎ ዝቐረበ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገለጸ ። ** ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ናብ ዝቕጽል ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ’ንከላ ሊዮነል መሲን ጋንትኡ ኢንተር ማያሚን
    Más Menos
    52 m
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሓምለ 2025)
    Jul 3 2025
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ብዛዕባ ምስ ህጻናት ዝሰርሑ ንምጽራይ ዝግበር እዋናዊ መስርሕ ክለሳ ይግበር ኣሎ ፡ ** ሓማስ ነቲ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ 'ናይ መወዳእታ "ዝበሎ ዝቐረበ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገለጸ ። ** ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ናብ ዝቕጽል ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ’ንከላ ሊዮነል መሲን ጋንትኡ ኢንተር ማያሚን ግን ብፒኤስጂ ተሳዒሮም ተገሊፎም፣
    Más Menos
    8 m